| |

South Link Connections Metro ኣብ ደቡብ ኪንግ ካውንቲ ናይ መወዳእታ ምምሕያሻት መስመር ጉዕዞ ወጢኑ

ፎቶ South Link Connections - መስመር ጉዕዞ 193 ክሳብ ማእከል መተሓላለፊ ጉዕዞ Federal Way

እዚ ጽሑፍ ብዞም ዝስዕቡ ቋንቋታት እውን ይርከብ፤ English አማርኛ (ኣምሓርኛ ) العربية (ዓረብኛ) 简体中文 (ዝተቐለለ ቻይንኛ) 繁體中文 (ባህላዊ ቻይንኛ) دری (ዳሪ) Français (ፈረንሳይኛ) 한국어 (ቋንቋ ኮርያ) Русский (ቋንቋ ሩስያ) Af Soomaali (ሶማልኛ) Español (ስጳኛ) Tagalog (ቋንቋ ታጋሎግ) Українська (ታጋሎግ ዩክሬን) Tiếng Việt (ቋንቋ ቬትናም)

Link ቀሊል ባቡር ኣብ Kent/Des Moines፣ Star Lakeን ማእከል ከተማ Federal Wayን ሰለስተ መደብራት ብምግባር ንደቡብ ሰፊሑ ኣሎ። Metro ኣብ ደቡብ ኪንግ ካውንቲ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣማራጺታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ንምምሕያሽ ምስ Sound Transitን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ይሰርሕ።

እዚ ፕሮጀችት South Link Connections፣ ኣውቶብሳት Metro ምስ Link ቀሊል ባቡር፣ ኣውቶብሳት ST Expressን ኣብ ኪንግ ካውንቲ ዝርከቡ ኣገልግሎታት Pierce Transitን ዘራኽብ ሓድሽ ኔትወርክ መተሓላለፊ ጉዕዞ ክፈጥር እዩ።

ካብ ኣባላት ማሕበረሰብን መሻርኽቲ ኣካላትን ርእይቶ ድሕሪ ምስማዕ፣ Metro ናይ መወዳእታ ውጥን ኔትወርክ መተሓላለፊ ጉዕዞ ከካፍል ምዃኑ ብሓጎስ ይገልጽ። እዚኦም ምስ ነበርቲን ሰበ ስልጣናት Algona፣ Auburn፣ Burien፣ Des Moines፣ Federal Way፣ Kent፣ Normandy Park፣ Pacific፣ SeaTac፣ Tukwilaን ገለ ክፋል ዘይተመዝገባ ከባቢታት ኪንግ ካውንቲን ብምዃን ዝተዳለዉ እዮም።

ቀዳምነታት ምንቅስቓስ ፕሮጀክት

ኣብ መላእ እቲ ፕሮጀክት፣ Metro ብኣካል ተሳትፎ፣ ብኢንተርነት ብዝተገብረ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ፣ ምስ ማሕበረሰብ ተኰር ትካላት ብምሽራኽ፣ ከምኡ’ውን ምስ ተንቀሳቓሲ South Linkን ቦርድታት ገምጋም መሻርኽትን ዝተገብረ ምኽራዊ ዝርርባት ገይሩ ርእይቶ ማሕበረሰብ ኣኪቡ። ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ህዝባዊ ተሳትፎ፣ Metro ምስ ተንቀሳቓሲ ቦርድ ብምዃን ነዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሓሙሽተ ቀንዲ ቀዳምነታት ምንቅስቓስ ኣቐሚጡ። Metro ነዞም ቀዳምነታት ተጠቒሙ ነቲ ኣብ ኔትወርክ መተሓላለፊ ጉዕዞ ክግበር ዝቐረበ ለውጢ ንምሕባር ተጠቒሙ።

ዝዓበየ ሽፋን መተሓላለፊ ጉዕዞ

ዝተመሓየሸ ኣገልግሎት ንግሆን ምሸትን

ኣብ ውሽጢ እቲ ፕሮጀክት ከባቢን ኪኖኡን ዝቐልጠፈ ናይ ጉዕዞ ግዜ

ካብ ምብራቕን ምዕራብን ዝግበር ናይ መተሓላለፊ ጉዕዞ ምትእስሳር ምምሕያሽ

ናይ ቀዳመ ሰናብቲ ኣገልግሎት ምውሳኽ፣ ብፍላይ ቀዳም

ቀንዲ ነጥብታት ናይ መወዳእታ እማመ ኔትወርክ

  • ሓደሽቲ ምትእስሳራት መተሓላለፊ ጉዕዞ፦ ናብ ጣብያታትLink ቀሊል ባቡር ዝተመሓየሸን ምትእስሳር ይውስኽ።
  • ዝያዳ ኣገልግሎት ሙሉእ መዓልቲ፦ ዝያዳ ኣገልግሎት ሙሉእ መዓልቲ፦ መዓልታዊ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ዝሰርሑ መስመራት ኣውቶቡስ ወፍሪ ይገብር። ኣብ ሰሙን ካብ ቀዳመ ሰናብቲ ወጻእ 51%፣ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ድማ 72% ዝያዳ መገሻታት ክህልዉ እዮም።
  • ዝሰፍሐ ኣገልግሎት ቀዳመ ሰናብቲ፦ ሓድሽ ኣገልግሎታት ቀዳምን ሰንበትን የተኣታቱን ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ቀንዲ መንገድታት ድግግም ይውስኽን። ብፍላይ፣ ኣብ Burien ቀዳመ ሰናብቲ ሓድሽ ኣገልግሎት፣ ኣብ መንጎ Kentን Federal Wayን ሰንበት ሓድሽ ኣገልግሎት፣ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ መደብር Kent Des Moines፣ መደብር Kent፣ Kent East Hillን Green River Collegeን ተወሳኺ ተደጋጋሚ ኣገልግሎታት። እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ኔትወርክ ምስ ሎሚ ክነጻጸር እንከሎ፣ ኣብ ቀዳም ብ57% ዝያዳ ጉዕዞታት ሰንበት ድማ ዳርጋ ብዕጽፊ ዝበዝሕ ጉዕዞታት ክህብ እዩ።
  • ሓያል ጉዕዞ ምብራቕ-ምዕራብ፦ ነዞም ዝስዕቡ ሓዊሱ፣ ኣብ መላእ እቲ ከባቢ ንዝርከቡ ዓበይቲ መዳረግቲ ቦታታት ዘራኽቡ ኣገደስቲ መስመራት ምብራቕ-ምዕራብ የመሓይሽ፦
    • Highline College፣ መደብር Kentን Green River College
    • Twin Lakes Park & Ride፣ መደብር Federal Way Downtownን መደብር Auburnን
  • ድሌት መሰረት ዝገበረ ሓድሽ መማረጺታት፦ ድሌት መሰረት ዝገበረ ክልተ ሓደስቲ ኣገልግሎታት ፈተነ Metro Flex ኣብ Federal Wayን Auburnን የጀምር።
  • ዝቐልጠፈ ኣገልግሎት፦ ነዚ ምትእስሳር ዝቐልጠፈ፣ ቀጥታዊን ንምጉዓዝ ዝቐለለን ንምግባር ኣብ መንጎ West Federal Wayን ማእከል ከተማ Federal Wayን መስመራት ኣውቶቡስ የመሓይሽ።
  • ዝተቐለለ ኔትወርክ፦ ሕጂ ብ Link ቀሊል ባቡር ተሸፊኑ ዘሎ ኣገልግሎት ንምንካይን ሰዓታት መሰጋገሪ ጉዕዞ ኣብቲ ኣዝዩ ዘድልየሉ ቦታ ዳግማይ ንምውፋር፣ እዞም ዝስዕቡ ንምእላይ ሓሳብ ኣቕሪብና፦ 122*፣ 123*፣ 154*፣ 157*፣ 162፣ 165 (ምሉእ ብምሉእ ብመስመራት ጉዕዞ 164/166 ተተኪኦም)፣ 177፣ 178*, 179*፣ 190*፣ 197*፣ DART 901። ብተወሳኺ፣ መንገዲ 193 ንመገሻታት ንምንካይ ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ፤ ካብ ንግሆ ሓደ ጉዕዞ ካብ ድሕሪ ሰዓት ድማ ሓደ ጉዕዞ ብምቕናስ።

*ኣብ’ዚ ሀዚ ሰዓት ዝተኣገዱ/ዘይሰርሑ መስመራት ጉዕዞ እዮም።

ቀጸልቲ ስጉምቲታት

ኪንግ ካውንቲ ፈጻሚ ስራሕ እቶም ዝተወጠኑ ወፍሪታት ኔትወርክ South Link Connections ኣብ ሓሳብ ንክኣትዉን ድምጺ ንክወሃቦምን ናይ መወዳእታ ፓኬጅ ድንጋገ ናብ ቤት ምኽሪ ኪንግ ካውንቲ ኣቕሪቡ ኣሎ። ቤት ምኽሪ ኪንግ ካውንቲ ነቲ ውጥን ኣብዚ ጽድያ ክምርምሮ መደብ ሒዝሉ ኣሎ።

ኣተገባብራ ለውጢ ኣገልግሎት

Metro ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ፣ ማለት’ውን ኣብ ቀውዒን ጽድያን ዓበይቲ ለውጥታት የተግብር። Federal Way Link Extension ታሕሳስ 2025 ስለዝኽፈት፣ Metro ምስቲ ኣብ ጽድያ 2026 ኣብ 28 መጋቢት ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ናይ መወዳእታ ውጥን ኔትወርክ South Link Connections ዝሰማማዕ ንኣሽቱ ናይ ኣገልግሎት ለውጥታት ክገብር መደብ ኣውጺኡ ኣሎ። እዞም ለውጥታት መስመራት ጉዕዞ ምስ ሓደስቲ መደብራት ኣብ ምትእስሳርን ናይ ኣገልግሎት ሰዓታት ኣብ ምንዋሕን ዘተኮሩ እዮም።

ብቤት ምኽሪ ኪንግ ካውንቲ ምስ ዝጸድቕ፣ እቶም ዝተረፉ ውጥን ለውጥታት ኣብ ናይ ቀውዒ 2026 ናይ ኣገልግሎት ለውጢ ክጅምሩ እዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ለውጢ ኣገልግሎት Metro ዝግበር ኣተገባብራ ኣብ ዓቕሚ ሓይሊ ስራሕ ዝተመርኮሰ ኮይኑ ኣገልግሎት ብዘተኣማምን መንገዲ ከምዝወሃብ ንምርግጋጽ እዩ፣ እዚ ድማ ለውጢ ብደረጃታት ክፍጸም ከድልዮ ይኽእል። ፍሉይ ለውጢ መዓዝ ከምዝግበር ሓበሬታ ንምርካብ፣ መርበብ ሓበሬታ ለውጢ ኣገልግሎት Metro ተወከሱ። ለውጢ ኣገልግሎት ኣብ ብሎግ Metro Matters እውን ተለጢፉ እዩ።

ርኸቡና

ብኽብረትኩም በዚ ዝስዕብ ኢሜይል ገይርኹም ብትመርጽዎ ቋንቋ ርኸቡና፦ haveasay@kingcounty.gov

ኣርማ ርእይቶ ሃቡ

ሓድሽ ሓበሬታ ንምርካብ ሳብስክራይብ ግበሩ

Subsብዛዕባ ፍጻመታትን ምዕራፋትን ፕሮጀክት ሓድሽ ሓበሬታን ምልክታታትን ንምርካብ፣ ንፕሮጀክት ጋዜጣና ሳብስክራይብ ግበሩ። ብዛዕባ እዚ ኣገልግሎት ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ርኸቡና።

መልሲ ግደፉ